ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ፡ ሓደ ዜጋ ካብ ኣኽሪያ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,716 በጺሑ ኣሎ።

9,608 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 5 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 07 መጋቢት 2022

Categories