ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት፡ “መትከላዊ እምነት፡ ንመድረኻዊ ግድነት!” ብዝብል ቴማ፡ ነታ ዕለት ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተዘኪራ።

ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ኣብ ዝተኻየደ ንመምርሒታት ምክልኻል ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ግምት ዘእተወ ስነስርዓት፡ ኣብ ጨንፈር ሃማደኤ ሓላፊት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወ/ሮ ከተማ ቀለታ፡ ቃል ማሕበር ኣስሚዓ።

ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንምሉእ ኣግእዞ፡ ምስ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ንሃገራዊ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰልን ሓቢሩ፡ ምርግጋጽ ማዕርነትን ሃገራዊ ናጽነትን ኣብ ምዕዋት፡ ብኣርኣያነት ክጥቀስ ዝኽእል ዓቢ ዓወት ዘመዝገበ ምዃኑ ዝጠቐሰት ወ/ሮ ከተማ፡ እዚ ዘሐብን ታሪኽ ሃገራዊ ቃልሲን ኣንጸባራቒ ዓወታቱን፡ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ረቛሒታት ሓደ፡ ሰፊሕን ኣድማዒን ሱታፌ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ምርግጋጹ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብዘካየዳኦ ቃልሲ፡ ኣብ ጉዳይ ጾታ ሰሪቱ ዝጸንሐ ድሑር ኣመለኻኽታ ሕብረተ-ሰብ ተቐዪሩ፣ መሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ሕጋጋት ሃገር ሰፊሩ፣ ደቂኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወት ምዕሩይ ዕድላት ተኸፊቱለን፣ ኣብ ስራሕን፡ ትምህርትን ኣገልግሎታትን ድማ ሱር-በተኽ ለውጢ ከረጋግጻ ከምዝኸኣላ እውን ኣብሪሃ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሎሚ ዓመት “መትከላዊ እምነት፡ ንመድረኻዊ ግድነት!” ብዝብል ቴማ ተዘኪራ ትውዕል ዘላ 8 መጋቢት፡ ፈታው ሓቂን ርትዒን ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ ብስሙር ኣረኣእያ፡ ንግዳማዊ ጣልቃን ምትእትታውን ኣብ ዝምክተሉ ዘሎ መድረኽ ትዝከር ምህላዋ ጠቒሳ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ፡ በቲ ያታአን ዝዀነ መትከላዊ እምነት፡ ነዚ ዘሎ መድረኻዊ ብድሆ ንምስጋር፡ ኣብነታዊ ተራአን ክጻወታ ጸዊዓ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም ሰመረን ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ሳምሶን ክፍለን ናይ ደገፍ ቃል ኣቕሪቦም።

እቲ ጽምብል፡ ብመደብ ዋርሳ፡ ከምኡ’ውን ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

Categories