ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና፡ ብኣካላት ሃማደኤ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተኻዪዱ።

ኣባላት ሃማደኤ 13 ንኡሳን ዞባታት ማእከል፡ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላትን ሚኒስትሪታትን፡ ካብ 1 ክሳብ 5 መጋቢት 235 ከረጺት ደም ለጊሰን።

ኣብ ባጽዕ፡ ብሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ሰሚናር ኣብ ርእሲ ምክያዱ፡ መደባት ጽሬትን ምኹስኳስ ኣግራብን፡ ከምኡ’ውን ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ተሰላሲሉ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ዝኽሪ ድማ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ፡ መድረኻዊ ብድሆ ብምስጋር፡ ንምሉእ ኣግእዞ ዝጀመራኦ ቃልሲ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ፡ ውፉይ ኣበርክቶአን ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ኣብ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣብ ዝተገብረ ዝኽሪ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ናይ’ቲ ዞባ፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምስ ድርብ ዕላማታት ብኣብነት ዝጥቅስ ዓወት ከምዘመዝገበ ብምጥቃስ፡ ሎሚ’ውን መደረኻዊ ብድሆታት ዘሰክሞ ሓላፍነት ረዚን ብምዃኑ፡ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ናይ ኩሉ ጻዕሪን ተሳትፎን ከምዝሓትት ኣገንዚባ።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ በብውዳቤታተን ብምውጻእ – ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣግራብ ኣብ ርእሲ ምዂስኳስ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ወፈራታት ጽሬት ኣካዪደን።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓሰብ ድማ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ንዝተዋፈሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኩባንያ ህንጻ ቀይሕ ባሕሪን ኣተባቢዐን።

Categories