ኣብ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይሊን ድባርዋን፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሞያዊ ስልጠናታት ዝወሰዱ 453 መንእሰያት፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ተመሪቖም።

እቲ ዝሰልጠኑሉ ዓውደ-ሞያታት፡ ምቕራጽ ቪድዮ ካሜራን ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእስን ምዃኑ፡ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ – ኣቶ ግርማይ ገብሩ፡ ዕላማ’ቲ ስልጠና፡ መንእሰያት ሞያ ኣጥርዮም ነብሶምን ከባቢኦምን ብእወታ ንምልዋጥ ዘኽእሎም ዓቕሚ ንከጥርዩ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ተመረቕቲ፡ ቀሲሞምዎ ብዘለዉ ትምህርቲ ንመዛኑኦም ኣርኣያ ክዀኑ ድማ ተላብዩ።

Categories