ኣብ ሃገረ ኒውዚላንድ – ከተማታት ኦክላንድ፡ ወሊንግቶንን ክራይስትቸርችን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መደባት “ክተት ከም መድረኻዊ ግድነት” ንምዕዋት፡ ውዳቤታቶም ኣሐዪሎም ብኹሉ ዓቕሞም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ከም መርኣያ ናይ’ዚ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ብዘካየድዎ ንጥፈታት፡ 20 ሽሕ ዶላር ከምዝወፈዩ፡ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኦክላንድ ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣብርሃም፡ ንኩለንትናዊ መደባት መኸተ ብዕምቈት ከምዝከታተልዎ ብምጥቃስ፡ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ኣበርክቶን ተሳትፎን ክገብሩ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጹ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኒውዝላንድ ብሓፈሻ፡ ኣብ መጻኢ እውን ውዳቤታቶምን ሓድነቶምን ብምስጣም ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ፡ ኣቶ ሃብተሚካኤል ወሲኹ ኣረዲኡ።

Categories