ኣብ ዞባ ማእከል፡ ንጥሙር መምርሒ ፋይናንሳዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዓድታት ብዝምልከት – ብ28 ለካቲት ንኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ኣርባዕተኣስመራ፡ ገጀረት፡ ጐዳይፍ፡ ጸጸራት፡ ኣኽሪያን ፓራዲዞን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዞባ ማእከል ኣቶ ተኪኤ ቀለታ፡ እቲ ዕላማ፡ ዓድታት – ነቲ ንልምዓት ዓዲ ዝዋጻእ ገንዘብ ግቡእ ቅብሊትን ናይ ባዕለን መጠራቐሚ ሕሳብ ባንክን ከምዝህልዎ ክገብራ፣ ዝጥቀማሉ ቅብሊታት ብማእከልነትን ኣፍልጦን ምምሕዳር ዞባ ንምሕታሙ ክሰርሓ፣ ንእታውን ወጻእን ብዝምልከት ድማ፡ ክሳብ ምምሕዳር ዞባ ጸብጻብ ንምቕራብ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት በሪኽ፡ ጋላ-ነፍሒን ሰረጀቓን ተመሳሳሊ ኣስተምህሮ ከምእተዋህበ ዝሓበረ ኣቶ ተኪኤ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳራት ከባብን – ኣገዳስነት ናይ’ቲ መስርሕ ተገንዚቦም ግቡእ ምክትታል ክገብሩ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ትምህርቲ፡ ኣባላት ውሽጣዊ ኦዲት፡ ንግቡእ ኣተሓሕዛ ሕሳባትን ዑደት ገንዘብን፡ ከምኡ’ውን ንቁጽጽራዊ ስርሓት ዝምልከት ኣማእዛኒ ኣስተምህሮ ሂቦም።

Categories