ከም ኣካል ናይ’ቲ ብህዝብን መንግስትን ባረንቱ ንሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ብሓፈሻ ንተኣለይቲ ስንኩላን ድማ ብፍላይ ዝግበር ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ሓገዝን ናብዮትን፡ ህዝቢ ከተማ ባረንቱ ገንዘቡን ጉልበቱን ኣወሃሂዱ ዝሃነጾ መንበሪ ኣባይቲ፡ ብ26 ለካቲት ንተኣለይቲ ስንኩላን ተረኪቡ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ከተማ ባረንቱ ኣቶ የማነ መሓሪ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ህዝቢ ንሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ምሕጋዝን ምጥዋርን ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ከምዘይኮነ ተገንዚቡ ንዝወሰዶ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቡ።

ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ እውን፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ኣቐዲሙ ድማ ኣብ ተሰነይ ዝተወስደ ኣብነታዊ ተበግሶ ብምንኣድ፡ ብዝተወደበን ብዝሰፍሐን ኣገባብ ክቕጽል ተላብያ።

እቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝተሰርሐ ንኩነታት ስንኩላን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣርባዕተ ኣባይቲ፡ መደቀሲ ክፍልታት፡ ክሽነ፡ ዓይኒ-ምድርን ቀጽሪን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ብጠቕላላ ኣስታት 3.3 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ከምእተገብረሉ፡ ነቲ ስራሕ ዝመርሐ መሃንድስ ሓቢሩ።

Categories