ሃማመተኤ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ብሉጽ ውጽኢት ንዝመዝገቡ ተማሃሮ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ብ20 ለካቲት ዞባዊ ሽልማት ‘ፍዕማ’ ሂቡ።

ተሸለምቲ ፍዕማ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2019-2020ን፡ 2020-2021ን ኣብ ዝተዋህበ ሃገራዊ መርመራ ልዕሊ 75 መሕለፊ ነጥቢ ዘምጽኡ 25 ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ጢዖ ኮይኖም፡ እቲ ዝተዓደሎም ሽልማት ኣብ 10ይ ክፍሊ ዘገልግሎም ምሉእ መጻሕፍትን ካልእ ሓገዝቲ ናውቲ ትምህርትን ዘጠቓለለ እዩ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ መንእሰይ ዑስማን ዓብደልቃድር፡ ፍልጠትን ሞያን ዝዓጠቐ መንእሰይ ልዑል ኣተኩሮ ስለዝወሃቦ፡ ብሉጽ ውጽኢት ንዘምጸኡ ተማሃሮ ዝዋሃብ ሽልማት ፍዕማ ኣካል ናቱ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ከመ’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወዲቡ ኣብ ሞንጎ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ’ቲ ዞባ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር መደረ፡ ክትዕን ሓፈሻዊ ፍልጠትን ከምእተዛዘመ፡ ሃማመተኤ ናይ’ቲ ዞባ ሓቢሩ።

Categories