ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፡ ኣብ መስርሕ ዝርከብ ኣገልግሎት ፍትሒ ብምግምጋም፡ ክብሪታት ሕብረተሰብ ማእከል ዝገበሩ ኣገባባት ኣፈታትሓ ግርጭት ተዓቂቦም ናብ ወለዶታት ዝሰጋገሩሉን፡ ምስ ዘመናዊ ኣገባብ ኣወሃህባ ፍርዲ ተጠዓዒሞም ዝቕጽልሉን ባይታ ንምፍጣር፡ ምስ ወከልቲ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ዞባ ጋሽ-ባርካ ናይ ዘተ ርክባት ኣካዪዳ።

እቲ ካብ 23 ክሳብ 25 ለካቲት ኣብ ከተማታት ኣቑርደት፡ ባረንቱን ተሰነይን ዝተገብረ ርክባት ብቐንዱ – ልኡላውነት ሕጊ ንምርግጋጽ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ዝወጽኡ መምርሒታትን ሕብረተሰብ ዝጥቀመሎም ኣገባባትን ከመይ ይስጉሙ ከምዘለዉ ብምርኣይ፡ ስኒትን ውህደትን ሕብረተሰብ ዘውሕስ፣ ጉዳያት ብቐረባ ዘደቅስን ንክብሪታት ኣፈታትሓ ግርጭትን ምክልኻል ገበናትን ቀዳምነት ዝህብን ኣገባብ ከምዝህሉ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ፎውዝያ ገሊጻ።

ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ምኽባር ሕጊ፡ ኣብ ጽላት ፍትሒ ንዝነጥፉ ኣካላት ጥራይ ዝግደፍ ከምዘይኮነ፡ ንሓፈሻዊ ኣሰራርሓ ስርዓተ-ፍርድን ንተራን ስልጣንን ሽማግለ ዕርቅን ዝድርዑ – ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝተዀስኰሱ ተመኲሮታት ብምድላብ፡ ሓሳባት ህዝቢ ብምእካብ ዝተመሓየሸ ፍርዳዊ ኣገልግሎት ዝሰፍነሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ተመሳሳሊ ርክባት ክካየድ ምዃኑ ገሊጻ።

ተሳተፍቲ፡ ሕብረተሰብ ዝጥቀመሎም ኣገባባት ኣፈታትሓ ግርጭት ኣፍልጦ ክወሃቦም፡ ንሽማግለ ዕርቅን ኣብ ምስፋን ሕጊ ንዝነጥፉ ኣካላትን ስልጠና ክወሃቦምን ምክትታል ክግበረሎምን፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ሕጊ ዘዕብዩ መደባት ብሰፊሑ ክትግበሩ. . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ፡ ጐድኒጐኒ’ቶም ብኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ካልኦት ናይ ፍትሒ ትካላትን ዝወሃቡ ኣገልግሎታት፡ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ብሽማግለ ዕርቂ ነባሪ ፍታሕ ይረኽቡ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ እቶም ብሽማግለ ዕርቂ ዝድቅሱ ጉዳያትን ኣብ ምፍታሕ ጉዳያት ዝዋስኡ ጸለውቲ ሰባትን ኣፍልጦ ተዋሂብዎም፡ ብግቡእ ክስነዱን ከም መወከሲ ከገልግሉን ኣተሓሳሲቡ።

Categories