ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ምህዞን ሰንዓን ናይ ዝነጥፉን ዝንባለ ዘለዎምን መንእሰያት ጥርናፈ ንምሕያል፡ “ተበላሓትነት ንልምዓትን ዕብየትን” ብዝብል ቴማ፡ ብ18ን 19ን ለካቲት ኣብ ከተማ ከረን ዋዕላ ተኻዪዱ።

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ከረን፡ ሓጋዝ፡ ዒላበርዕድን ዓዲ-ተከሌዛንን ዝንባለ ምህዞን ሰንዓን ዘለዎም መንእሰያት ንምልላይ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ፣ ዕላማኡ ድማ፡ ማሕበር ሰናዕትን መሃዝትን ብምምስራት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ፍታሕ ዘምጽኡ ምህዞታት ንምምዕባል ከምዝዀነ ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ጨንፈር ሰንዓ ኣቶ መንግስትኣብ ሳሙኤል፡ ሞያውያን መሃዝቲ ወዲብካን ርኽበታቶም ኣማዕቢልካን ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ከምዝውዕል ንምግባር ብምዃኑ፡ ናይ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ደገፍ ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝቐርቡ ዘለዉ ውጽኢት ምህዞኣዊ ጥበባት፡ ኣብ’ቲ ዓውዲ ንዘሎ ዕቑር ዓቕሚ ዘንጸባርቑ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ እቲ ዋዕላ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝቐረቡ መደባት፡ ከከም ቀዳምነታቶም ክስራሓሎም ውሳኔታትን ለበዋታትን ሓሊፉ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ እቲ ዋዕላ መበራበሪ ደወል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ዝሓለፉ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣብ ምትግባር፡ ምምሕዳር ዞባ እጃሙ ከምዝገብር ኣረጋጊጹ።

Categories