ኮሌጅ ኣቭዬሽን ኤርትራ፡ ትማሊ ዓርቢ 25 ለካቲት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ ስነ-ስርዓት፡ በዂሪ ተመሃሮኡ ብኣድቫንስድ ዲፕሎማ ኣመሪቑ።

ኣብ ባጽዕ – መደበር ሓይሊ ኣየር ፈንቅል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዝተመረቑ ነባራትን ሓደስትን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ክልሰ-ሓሳባውን ግብራውን ትምህርትን ስልጠናን ዝቐሰሙ ኰይኖም፡ ብሞያታት ምብራር፡ ጽገና ነፈርቲ፡ ከምኡ’ውን ብጽገና ኤለክትሮኒክስን ራዳርን እዮም ትምህርቶም ዛዚሞም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ፍልጠትን ሞያን ተመኵሮ ስራሕን ምድላብ፣ ብልዑል ፍናንን ዲስፕሊንን ዓያይነትን ኣፍራይነትን ምጕልባት፡ እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ሃገራዊ ጸጋ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንህዝብን ቤተ-ሰብን ከምኡ’ውን ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ኩሎም ኣበርክቶ ዝገበሩን “ዮሃና!” ኢሉ።

ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቭዬሽንን ካልኦት ኢንዱስትሪታትን ብቑዕ ጸጋ ሰብ ምስልጣን፡ ምስ ዕቱብ ምርምርን ምዕባለን ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ብወገኑ፡ በዂሪ መመረቕታ ኮሌጅ ኣቭዬሽን፡ ኣብ ባጽዕን ቅንያት ዝኽሪ መበል 32 ዓመት ስርሒት ፈንቅልን ምክያዱ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝህልዎ ታሪኻዊ ርዝነትን ትርጒምን፡ ትስፉው ግዜ ዘበስር’ውን ምዃኑ ብምሕባር፡ ናይ መጻኢ ተልእኾታትን ዕማማትን ብዓወት ንምፍጻም ሰረት ዘትሕዝ፣ ብዓይነትን ብቕዓትን ድማ ዘተኣማምን ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

እቲ ስልጠና፡ ኣካል ናይ’ቲ ብቑዕ ፍልጠት ዝዓጠቐ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ ንምህናጽ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ዝጠቐሰ ወኪል ተመረቕቲ ድማ፡ ኮሌጅ ኣቭዬሽን ኤርትራን ምሩቓቱን፡ ኣብ ምምዕባል ጽላት ኣቭየሽን ኤርትራ ዝህልዎም ኣስተዋጽኦ ቀሊል ስለዘይኰነ፡ ድልውነቶም ንዝለዓለ ኣበርክቶን ውፉይ ስራሕን ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎምን ወለድን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ንኣብነታውያን መኰንናት ኣብረርቲ፡ ቴክኒሻናትን ኣሰልጠንትን – መዓርግ፣ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ድማ ወረቐት ምስክርን ምስጋናን ተዓዲሉ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ምስ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ካልኦት ኣካላትን ብምትሕብባር ብሞያ ባሕረኝነት (seamanship) ዝሰልጠኑ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ብሰርቲፊኬት ተመሪቖም።

Categories