ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ 1 ካብ ዓዲ-ቐይሕ፡ ሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ዃላ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 3 ካብ ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – 5 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,696 በጺሑ ኣሎ።

9,584 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 9 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 24 ለካቲት 2022

Categories