ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ሕጂ’ውን ኩሉመዳያዊ መኸተና ነሐይል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ መበል 20 ስሩዕ ኣኼባኡ ትማሊ 25 ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቃኒዑ።

ሓለፍቲ ምምሕዳር፡ ህግደፍ፡ ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራትን ጨናፍር ሚኒስትሪታትን፡ ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ፡ ባይቶ ኣብ መበል 19 ስሩዕ ኣኼባኡ ንዘሕለፎም ውሳነታትን ለበዋታትን ኣብ ምክትታል፡ ምዕዝምዛማት ህዝቢ ሰሚዑ ምስ ፈጸምቲ ኣካላት ብምልዛብ ንምፍታሕ – ኣብ ሓያል ጻዕሪ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እዋናዊ ጭርሖ ህዝብን መንግስትን ‘ክተት ከም መድረኻዊ ግድነት’ ኣብ ልምዓትን ድሕነት ሃገርን ንምትግባር ድሉዋት ክንከውን መድረኻዊ ግዴታ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ምጽጋን ጽርግያታትን ማይክሮዳምን ካልኦት ሕርሻዊ ንጥፈታትን፡ ከም ድርኺትን ውሕስነት መግቢን ብዝያዳ ክድፍኣሉ፡ ህዝቢ ድማ ዕብየቱ ንምዅላፍ ንዝእለሙ ውዲታትን ተጻብኦታትን ብንቕሓት ክምክት ተላብዩ።

ሽማግለታት ባይቶ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት ድማ፡ ቀረብ ኣሕምልትን ፍረታትን መዓርን ጽቡቕ ከምዘሎ፡ ኣብ ቀረብ ማይ ገጠራት ዝምስገን ስርሓት ከምእተዓመ፡ ኣብ ከተማ ዋሕዲ ቦጣትን ኣብ ኣተዓዳድላ ማይ ምድንጓያትን ከምዘሎ ገሊጾም።

ህዝቢ ኣብ ምኽፋል ግብሪ ዘጋጥሞ ዘሎ ዘይምኽኑይ ምምልላስ፡ ንዘይሓላፍነታውያን ነጋዶ ስጉምቲ ዘይምውሳድ፡ ፍታሕ ክናደየሉ ድማ ጸዊዖም።

ኣባላት ባይቶ፡ ብፈጸምቲ ኣካላት ኣብ ዝቐረበ ሓሳባት ድሕሪ ምዝታይ፡ ህዝቢ መምርሒታት ምክልኻል ኮቪድ ክትግብር፡ ዋጋታት ኤሌክትሪክ፡ ጋዝ፡ ነዳዲ፡ ቴሊፎንን ካልእን ክለሳ ክግበረሉ. . . ዝብሉ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ኣኼባ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ባይቶ ንጠለባትን ክውንነትን ብምዝማድ ትግባረ መደባት ክከታተል ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብዘይፍቓድ ኣብ ጽገናን ምስራሕን ኣባይቲ ዝሳተፉ ዘለዉ ብሕጊ ተማእዚኖም ክኸዱ ተላብዩ።

Categories