ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብዝተፈላለየ ሞያታት ክስልጥኑ ዝጸንሑ 172 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 302 መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ብ22 ለካቲት ተመሪቖም።

እቲ ስልጠና፡ ምሕደራ ዋኒን፡ ምቕባልን ምልኣኽን ንብረት፡ ምሕደራ ፕሮጀክታት፡ ዋኒንን ዲጂታላዊ ንግድን ዕዳጋን፡ ምትካል ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ምዝርጋሕ ኤሌክትሪክ፡ ኤሌትሮኒክስ፡ ምጽጋን ሞተርን ጀነረተርን፡ ከምኡ’ውን ጽገና ሞባይል ዝርከብዎ 26 ዓውድታት ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ንሻብዓይ ግዜኡ ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ምስ ወለንታውያን ማእከላት ሞያዊ ስልጠና ብምትሕብባር ከም እተኻየደ፡ ክፍሊ ፖለቲካን ውዳበን ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ በብምምሕዳራተን ንዝተለለያ – ማሕበረቁጠባዊ ጸገማት ዘለወን 23 ኣለይቲ ስድራ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ንኣደላልዋ ባህላውን ዘመናውን መግብን መስተን ዝምልከት ስልጠና ብናጻ ከምእተዋህበ ተገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ገብረሃንስ ወልደገርግሽ፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ – ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮኦም ብግቡእ ክሰርሑሉን ናብ ካልኦት መንእሰያት ከመሓላልፍዎን ኣዘኻኺሩ።

Categories