ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃ.ኮ.ሰ.ኤ)፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ከባቢ እምባደርሆ ዝተኸሎ ፈልሲታት ኣግራብ፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጹ።

ምክትል ዋና ጸሓፊ’ቲ ኮንፈደረሽን ኣቶ ክብረኣብ ኪዳነ፡ እቲ ናይ ምግራብ መደብ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 ምስ ሃገራውያን ማሕበራት ሃማደኤን ሃማመተኤን ከምኡ’ውን ምስ ኣባላት ሰራዊት ከም እተጀመረ፣ ካብ 2011 ንደሓር ግና – ሃኮሰኤ ኣብ ከባቢ እምባደርሆ ናቱ ቦታ ብምሓዝ፡ ኣብ 50 ሄክታር ልዕሊ 53 ሽሕ ፈልሲታት ከምዝተኸለ ሓቢሩ።

ካብ’ቲ ዝተተኽለ መበቈላውን ዘይመበቈላውን ኣግራብ እቲ 90 ሚእታዊት ቀላሚጦስ ምዃኑ፡ ዝተረፈ ድማ ኣውሊዕ፡ ግራዋ፡ ታህሰስ፡ ጽሕዲ፡ ዳዕሮ፡ ጀካራንዳን ኣካቻን ከምዘጠቓልል፡ ኣቶ ክብረኣብ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ቤት-ገርግሽ – ከባቢ ‘ስካሪኮ’ ን10 ትካላት ነናተን ቦታ ተዋሂብወን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ልዕሊ 13 ሽሕ ፈልሲታት ኣግራብ ከምዝተኸላን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐን ኣረዲኡ።

Categories