ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ብ17 ለካቲት – ንጥፈታት ትምህርቲ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ርክብ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ተስፋይ ስብሃቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ቀዳማይ ሰሚስተር 2021/2022፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ ዝተሳተፉ ልዕሊ 27 ሽሕ ተመሃሮ፡ ኣብ መባእታ 92.6 ሚእታዊት፣ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 74.5 ሚእታዊት፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 92.5 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ፣ መጠን ምቁራጽ ድማ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ብ5.4 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር ተወልደ ኣብርሃም፡ ብቕዓት ተመሃራይ ብቐንዱ ውጽኢት ጻዕሩን ተገዳስነቱን እኳ እንተኾነ፡ ተራ መማህራንን ወለድን እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም ድማ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘሰናኽሉ ሕጽረታት ንምምላእን ዘይምኽኑይ ምቁራጽ ተመሃሮ ንምግታእን፡ ተራ ኣካላት መንግስቲን ሕብረተ-ሰብን ክዓዝዝ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ጉዳይ ዝኣረገ መጽሓፍቲ ቈላሕታ ክወሃቦ፣ ሕጽረት ሰደቓታት ፍታሕ ክናደየሉ፣ ዝምድና መማህራንን ተመሃሮን ንምድንፋዕ ብዕቱብ ክስራሕ፣ ድኻማት ተለልዮም መፍትሒ ክርከበሎም፣ ብቕዓት ተመሃሮ ክብ ንምባል ዝሕግዙ ሜላታት ክድፋሎም ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories