ኣገልግሎት ጥዕና ንምስፋሕን ብዓይነት ንምምዕባልን ዝካየድ ጻዕሪ ንምድንፋዕ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብን መሻርኽቲ ኣካላትን ክዓዝዝ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ብ15 ለካቲት ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዘቃነዖ ገምጋም ጸዊዑ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ከሰተብርሃን ሰሎሞን፡ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምውሓስ፡ ኣብ ትሕተቅርጽን መሳርሒታትን ትካላት ጥዕና ከምኡ’ውን ኣብ ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ኣብ ባይታ ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብተሳትፎ ኮም ኣብ ትካላት ጥዕና ዝስራሕ ዘሎ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን ሓራሳትን፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደን ዕሸልን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፣ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ዘጋጥም ሞት ናብ ዜሮ ንምውራድ ድማ ዕቱብ ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ በሪሁ።

ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ብፍላይ ድማ ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን ንምቁጽጻር፡ ልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ዝዕድመኦም ኣስታት 20 ሽሕ ዜጋታት ብዝተኻየደ መርመራታት፡ 4.3 ሚእታዊት ጸቕጢ ደም ከምዝጸንሖም ምርግጋጹ ክግለጽ እንከሎ፡ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኣብ ኣመጋግባ ክጥንቀቕን ምውስዋስ ኣካላት ከዘውትርን፣ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ድማ ስሩዕ ሕክምናዊ ክትትል ክገብሩ ኣስተምህሮታት ይወሃብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ሰብ-ሞያ ጥዕና ብሓፈሻ ሞያውያን መንእሰያት ድማ ብፍላይ ንዘርእይዎ ዘለዉ ተወፋይነት ድሕሪ ምምጓስ፡ ምምሕዳራትን ካልኦት ኣካላትን ብውህደት ክሰርሑ ተላብዩ።

ሚኒስተር ኣሚና ኑርሕሴን ብወገና፡ ሕማማት ንምቁጽጻር ውጽኢታዊ ስራሕ ይፍጸም ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ ሸቶታት ሚለዮኒም ኣብ ምስማር ዝተራእየ ውሁድ ተበግሶ፡ ኣብ ምርግጋጽ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ’ውን ከምዝድገም ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

Categories