ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ዝውዕል 1,352,421 ዶላር ወፍዮም።

ካብ’ቲ ገንዘብ፡ እቲ 818,965 ዶላር ንምንባይ ስድራ ስዉኣት፣ 553,456 ዶላር ድማ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝተወፈየ ምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ተቐማጢት ከተማ ፍራንክፈርት – ጀርመን ዝዀነት መንእሰይ ማርጋሪታ ዘካርያስ 1,200 ዩሮ፡ ተቐማጢት ኣስመራ ሲስተር ጽገሃና ጊላዝጊ ድማ 20 ሽሕ ናቕፋ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣበርኪተን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስካናዲናቪያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብወገኖም፡ መደባት ”ክተት ከም መድረኻዊ ግድነት” ንምዕዋት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ብዘካየድዎ ንጥፈታት፡ ልዕሊ 2 ሚልዮንን 225 ሽሕን ክሮኖር ሽወደን ወፍዮም።

እቲ ብማንዛ ብዝተኻየደ ጐስጓስ ኣብ ሕሳብ ”ሽማግለ ክተት” ኣታዊ ዝተገብረ ገንዘብ፡ ነበርቲ ሽወደን 1 ሚልዮንን 500 ሽሕን፣ ነበርቲ ኖርወይ 530,000፣ ነበርቲ ዴንማርክ ድማ 160,000 ዘዋጽእዎ እዩ።

እቶም ዜጋታት፡ ከም ኣባላት ራብዓይ ዞባ መኸተ፡ ውዳቤታቶምን ሓድነቶምን ብምስጣም፡ መድረኽ ዝጠልቦ ሃገራዊ ሓላፍነትን ግዴታን ንምትግባር ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories