ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቶ ነጋሲ ካሳ ዝመርሖ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ 6ይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተሳቲፉ።

ኣብ’ቲ ብ17ን 18ን ለካቲት 2022 ኣብ ብራስለስ – ቤልጁም ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ምወላ ንዘላቒን ጸንባርን ዕብየት፣ ክሊማዊ ለውጥን ምስግጋር ጸዓትን፣ ምትእስሳርን ትሕተ-ቅርጽን መጓዓዝያን ቴክኖሎጂን፣ ሰላምን ጸጥታን ምሕደራን፣ ሕርሻን ዘላቒ ምዕባለን፣ ብሕታዊ ጽላትን ቊጠባዊ ውህደትን፣ ስርዓት-ጥዕናን ምፍራይ ክታበትን፣ ከምኡ’ውን ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ሞያዊ ስልጠና፡ ፍልሰትን ምንቅስቓስን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ተዘትዩ።

ቅድሚ’ቲ ዋዕላ፡ ወከልቲ ኣፍሪቃ ናይ በይኖም ኣኼባ ብምካይድ፡ መርገጺኦም ከምዘነጸሩ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

6ይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ መወዳእታ፡ ውሳኔ ብምሕላፍ ተዛዚሙ።

Categories