ኣብ ዞባ ማእከል፡ መማህራን ቅድመትምህርቲ – ኣብ ጥዕና ተመሃሮኦም ክገብርዎ ዝግባእ ምክትታልን ናብዮትን ብዝምልከት፡ ብክኢላ ሕክምና ቈልዑ ዶ/ር ጽገሬዳ መሓሪ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ብ15 ለካቲት ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ዶ/ር ጽገሬዳ፡ መማህራን ቅድመ-ትምህርቲ ካብ ወለዲ ንላዕሊ ንኩነታት ጥዕና ናይ’ቶም ቈልዑ ከለልዩሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ’ቶም ቈልዑ ብዛዕባ ዝዕዘብዎ ጉድለት ብኣጋ ንወለዶም ክሕብሩን ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ክወስድዎም ተራኦም ከዕዝዙን ተላብያ።

ንሜላታት ኣተኣላልያ ምስ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዝነብሩ ቈልዑ ብዝምልከት ድማ፡ ብንጥፈታቶም፡ ምንቅስቓሳቶም፡ ኣተሓሳስባኦም ኰነ ምውሳኦም ምስ መዛኑኦም ብቐሊሉ ንምልላዮም ከምዝከኣል ብምጥቃስ፡ ወለዶም ሒዞምዎም ኣብ ዝመጽኡሉ፡ መማህራን እኹል መረዳእታ ኣብ ምሃብ ክነጥፉ ኣተሓሳሲባ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን ዞባ ማእከል ኣቶ ያሲን ኣሕመድ፡ ዕላማ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን መማህራን ቅድመትምህርቲ ኣብ ስንክልና ዘለዎም ህጻናትን ኣተኣላልያኦምን ንምብራኽ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩሎም መማህራን ሓደ መረዳእታ ሒዞም ኣብ ዕለታዊ ስራሖም ነቲ ሜላታት ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ።

ወለዲ ኣብ ውላዶም ፍሉይ ወይ ዘይንቡር ነገር ምስ ዝዕዘቡ፡ ተቐላጢፎም ናብ ሕክምና ክወስድዎ ድማ ምኽሩ ለጊሱ።

Categories