ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2021 ብሓምላይ ወፍሪ ንልምዓት ካብ ዝተተኽለ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ፈልሲታት ኣግራብ፡ እቲ 80.5 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ ተሓቢሩ።

ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ሓላፊ ጨንፈር በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃም ተኽሉ፡ እቲ መደብ ምስ ናይ 2020 ክነጻጸር እንከሎ – ብ6 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ገሊጹ።

33 ዓይነታት ፈልሲ ገረብ ከምእተተኽለ፡ ካብ’ዚ እቲ 79 ሚእታዊት ቀላሚጦስ፣ 8 ሚእታዊት መበቈላዊ ኣግራብ፣ 3 ሚእታዊት ከኣ ዘይመበቈላዊ ኣግራብ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዝምልከት፡ ከም’ቲ ዝድለ ዘይተሰርሓሉ ኮማዊ ምግራብን ምዝላይን ንምድንፋዕ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳራት ከባብን፡ ኣብ ዓመታዊ ውጥናቶም ክሰርዕዎን ልዑል ጠመተ ሂቦም ክሰርሑሉን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ 2022፡ ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ብምውህሃድ፡ ኣስታት 680 ሄክታር ቅናታዊ ዛላ ክስራሕ፣ 3.7 ሚልዮን ፈልሲታት ኣግራብ ክዳሎ መደብ ወጺኡ ንትግባረ ተበጋጊሱ ከምዘሎ እውን ኣገንዚቡ።

Categories