ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ ሓደ ካብ ሓመልማሎ፡ ሓደ ድማ ካብ ሃበሮ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,689 በጺሑ ኣሎ።

9,559 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 27 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 21 ለካቲት 2022

Categories