ኣብ ጽላት ጥዕና ዝካየድ ንጥፈታት፡ ምስ ዓለማዊ መለክዒታት ከምዝስጒም ብምግባር፡ ብቕዓት ኣገልግሎት ንምርግጋጽ – ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣሰራርሓ ክድፋኣሉ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ኣዘኻኺራ።

ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ንጥፈታት ኣገልግሎት ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሚኒስተር ኣሚና፡ ምስ ህልው ዞባውን ዓለማውን ምዕባለን ደረጃን ዝስጉም ሜላታት ኣሰራርሓ ምትእትታው ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ነቲ ለውጢ ዘመቻችእ መደባት ከምዝሰርዐ ገሊጻ።

ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ዶ/ር ሓየሎም ኪዳነ፡ ኣብ 20 ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ዘመናዊ መሳርሒታት ከም እተኣታተወን ሕጽረታት ትሕተ-ቅርጺ ከምእተማልአን፣ ን49 ትካላት ጥዕና ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መዐቀቢ መድሃኒት ፍርጃት ከምእተዓደለ፣ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሻምብቆን ከርከበትን ክልተ ሓደስቲ መደበራት ጥዕና ከምእተኸፍታ ኣብሪሁ።

ሓለፍቲ ኣሃዱታት ድማ፡ ኣብ ክንክን ኣደን ዕሸልን፣ ምቁጽጻር ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላፍትን ሕማማት፣ ኣተሓሕዛን ኣዘረጋግሓን ኣፋውስ፣ ምቁጽጻር ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፣ ፍወሳ ዑረት፣ ምቁጽጻር ለበዳ ሕማም ዓሶን ዓባይ ሰዓልን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምሕያል ጥዕናዊ ንቕሓት ናይ ዝተዓመ ስራሕ፡ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ፡ ህዝቢ ዝተማልአ ኣገልግሎት ንኽረክብ፡ ብፍላይ ኣገልግሎት ጥዕና ብዓይነትን ዝርጋሐን ንምሕያል ዝካየድ ጻዕሪ ንምዕዋት፡ ብዝለዓለ
ከምዝስራሓሉ ገሊጹ።

Categories