መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን – ‘መውል’ ጨንፈር ተሰነይ፡ ኣብ 2021 ን1,325 ዜጋታት ብውልቅን ብጉጅለን፡ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ፡ ኣስታት 15 ሚልዮን ናቕፋ ከምዘለቅሐ ገሊጹ።

ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ኣመሓደርቲ ከባቢን ተሰነይ፡ ጎልጅን ሃይኮታን ኣብ ዝተሳተፍዎ – ብ11 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ታደሰ መብራህቱ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ብምንቅስቓስ፡ ካብ 6 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ናቕፋ ናይ ልቓሕ ዕድላት ከምዝፈጠረ ሓቢሩ።

ተለቃሕቲ፡ ኣብ ህይወቶምን ንጥፈታቶምን እወታዊ ለውጢ ከምዘምጽኡ እውን ገሊጹ።

ኣቶ ታደሰ፡ ዓማዊል ዝወስድዎ ልቓሕ ኣብ’ቲ ብዝግባእ ዘጽንዕዎ መዓላ ምስ ዘውዕልዎ፡ ክዕወቱ ከምዝኽእሉ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ደገፍ ኣመሓደርቲ ከባቢ ክዓዝዝ ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ስዩም ገብረእየሱስ፡ ዓማዊል ዝተለቅሕዎ ገንዘብ ኣብ ምምላስ፡ ብመንገዲ ምምሕዳራት ከባቢ ክተሓጋገዙ ምዃኖም ገሊጹ።

Categories