ኣብ ንኡስ ዞባ ኣኽሪያ፡ ነበርቲ 5 ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ድርፎ፡ ብማሽነሪ ብዝተደገፈ ወፈራ፡ 15 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ይጽግኑ ኣለዉ።

እቲ ብነበርቲ ዓድታት ዓርበ-ረቡዕ፡ ዳዕሮታይ፡ ነበራ፡ እንዳ-ገረወልዲን ዓርጎሎን ዝቕጽል ዘሎ ወፈራ፡ ካብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ – ነፍሲት ናብ ድርፎ ዘእቱ ብውሕጅ ተበላሽዩ ዝጸንሐ መስመር፡ ንምንቅስቓስ ምቹእ ንምግባሩ ዝዓለመ እዩ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ድርፎ ኣቶ ዑመር ኢብራሂም ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጽርግያ ንነዊሕ ዓመታት ጽገና ስለዘይተኻየደሉ ኣዝዩ ተበላሽዩ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ህዝቢ ኣብ ምጽጋኑ ንዘርእዮ ዘሎ ተወፋይነት ሞጒሱ።

ነበርቲ ብወገኖም፡ እቲ መስመር ንምዕባለ ናይ’ቲ ከባቢ ኣገዳሲ ስለዝዀነ፡ ንምዕዋቱ ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ዝጸንሖም ጸገማት ክቃለል ዘለዎም ትጽቢት ገሊጾም።

Categories