ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ጐድኒ-ጉድኒ’ቲ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ሕማማት ንምክልኻልን ንምፍዋስን ዕቱብ ስራሕ ከምእተዓመ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ብ12 ለካቲት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ገሊጹ።

ሜዲካል ዳይረክተር ናይ’ቲ ጨንፈር ዶ/ር ኣማኒኤል ምሕረትኣብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ብውህደት ብዘሰላሰላኦ ስራሕ፡ መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ብ63 ሚእታዊት ክጐድል እንከሎ፡ ብዓሶ ዝስዕብ ዝነበረ ሞት ድማ ናብ ዜሮ ከምዝወረደ፣ ካብ’ቶም ብሕማም ቲቢ ምልካፎም ዝተረጋገጸ 288 ሰባት እቶም 90 ሚእታዊት ከምዝሓወዩ ኣብሪሁ።

ክታበት ህጻናት – ኣብ ትካላት ጥዕናን ካብ ትካላት ጥዕና ወጻእን ይካየድ ብምህላዉ፡ ውጽኢታዊ ስራሕ ክዕመም ከምእተኻእለ ብምጥቃስ፡ ብዞባ ደረጃ ምስ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ብምንጽጻር፡ ሸፈነ ክታበት ብ93 ሚእታዊት፣ ቁጽሪ ክትትል ቅድሚ ሕርሲ ዝገብራ ኣዴታት ብ64 ሚእታዊት፡ ከምዝዓበየ ኣረዲኡ።

ምስ ምስፋሕ ዝርጋሐ ፕሮጀክትታት ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ዓድታት፡ ከምኡ’ውን ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝካየድ ቀጻሊ ጽዑቕ ጐስጓሳት፡ ተርእዮ ማይወለድ ሕማማት ኣዝዩ ከምዝነከየ እውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተጽፋጽዮን፡ ሕጽረት ትካላት ጥዕና ንምፍታሕ ህዝብን ምምሕዳራትን ዝገብርዎ ደገፍ ንምሕያል ጻዕሪታት ከምዝካየድ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን እውን፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል፡ ኮም ማእከል ዝገበረ ጽሬት ከባቢን ምስራሕ ዓይኒ-ምድሪን ክድፋኣሉ ብምዝኽኻር፡ ጠለባት በብደረጃኡን ቀዳምነታቱን ንምምላእ ከምዝስራሓሉ ኣረጋጊጻ።

Categories