ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ውዳቤኦም ብምሕያል ሃገራዊ ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ፡ ብ12 ለካቲት ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ ገሊጾም።

እቶም ካብ ከተማታት ፓሪስን ከባቢኣን፡ ናንት፡ ኣንዠ፡ ሬንን ማርሰይን ዝተወከሉ ልዕሊ 100 መንእሰያት ኣብ ዋዕላኦም – ውዳበ ‘መንእሰያት ዋርሳይ’ ኣብ ፈረንሳ መስሪቶም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ኣቶ በረኸት ጳውሎስ፡ ንተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምምጻእ ናጽነት፡
ምውሓስ ልኡላውነትን መደባት ህንጸት ሃገርን በብመድረኹ ድሕሪ ምብራህ፡ ኩሉ-መዳያዊ መደባት መኸተ ንምዕዛዝ፡ ምጥርናፍን ምሕያል ውዳበታትን መሰረታዊ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ኮማውን ህዝባውን ጉዳያት ኣቶ ስለሺ እድሪስ ድማ፡ እቲ ውዳቤ ምስ ኤምባሲን ካልኦት ህዝባውያን ውዳቤታትን ዝህልዎ ናይ ስራሕ ዝምድና ድሕሪ ምዝርዛር፡ መንእሰያት ንምድልዳሉ ክሰርሑ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ንጥፈታቶም እትመርሕ ግዝያዊት ኣካያዲት ኣካል ብምምራጽ፡ ውዳበኦም ከደልድሉን እዋኑ ዝጠልቦ ኣበርክቶ ክገብሩን ቃል ኣትዮም።

Categories