ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ኣብ 2021 ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ውጽኢታዊ ሰንዓፈስራሕ ከም እተሳለጠ፡ ብ5 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሃብተ ኪዳነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ መስመር ማይ ኣብ ዘይጸንሖ ከባቢታት ከተማ ሰንዓፈ ሓድሽ መስመር ከምእተዘርግሐ፣ ካብ ክሳድ ማይ መንጉዳ ብማእከል ከተማ ዝሓልፍ መትረብ ውሕጅ ከምእተሃደመ፣ ኮም ዘማእከለ ንጥፈታት ጽሬት ከባቢ ዘጠቓልል መደባት ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከምዝበጽሐ፣ ሰፊሕ ናይ ሓመድን ማይን ምዕቃብ ንጥፈታት እውን ከምእተኻየደ ገሊጹ።

ኣብ ምእካብ ግብሪ ሕርሻ ገጠርን እንስሳ ዘቤትን፣ ክታበት ጥሪትን መጋሃጫን፣ መስርሕ ዕደላ ጨቓዊት፡ ዘመናዊ ቆፎ ንህብን ምሩጽ ዘርኢ ድንሽን ስርናይን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምግራብ ናይ ዝተተግበረ መደባት፡ ብኣሃዝ ዝተሰነየ ጸብጻብ ቀሪቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሽከር፡ ነዚ ዓመት’ዚ ተታሒዞም ዘለዉ መደባት ዘርዚሩ።

ኣብ መዝባ ትካል ጥዕና ክህነጽ፣ ንዓድታትን ምምሕዳራት ከባቢን ዘራኽብ ናይ ሓመድ ጽርግያታት ክጽገን፣ ሕክምና ጥሪትን ኮማዊ ምግራብን ክድንፍዕ፡ ዝብሉ ድማ ይርከብዎ።

ተሳተፍቲ፡ ጽጉማት ወገናትን ስድራስዉኣትን ብገንዘብን ንዋትን ክሕገዙ፣ መስርሕ ዕደላ መሬት ጤሳ ኣብ ከተማ ሰንዓፈን ከባቢኣን ክጅመር፣ ሕጽረት ማይ ዘለወን ዓድታት ቈላሕታ ክግበረለን፣ ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሓራት ኣብ መስመራት ሰንዓፈ-እንዳደሽምን ሰንዓፈ-ዝግፈትን ዝጅምረሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ዝብልን ካልእን ርእቶታት ኣቕሪቦም።

Categories