ወግዓዊ ጽምብል መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል፡ ሕላገት ጅግንነት ወሎዶታት” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ብድምቀት ተኻዪዱ።

እቲ ብኤሪ-ቲቪ ብቐጥታ ዝተፈነወ ስነ-ስርዓት፡ ጉጅለ ባህሊ ኣውካን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዘቕረበቶ፡ ንቕያ ስርሒት ፈንቅልን መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻን ዘንጸባርቕ ሓድሽን ዝጸንሐን ደርፍታት፡ ከምኡ’ውን ብግጥምታት ማዕሪጉ ነይሩ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ጩራ መላእ ሓርነት ዘድመቐን ከፋቲ ሓድሽ መድረኽን ዝዀነ ስርሒት ፈንቅል፡ ሕላገት መኸተ ብምዃን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈን እናተዘከረን ምምጽኡ፡ ንርዝነቱ ዝዳረግ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣደ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወ/ሮ ዘይነብ ዑመር ብወገና፡ ነቲ ጽምብል ንምድማቕ ኩሉ-መዳያዊ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊና።

Categories