ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል ዞባ ማእከል ኰይኑ፡ ኣድራሻኡ እምባደርሆ፣ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ዓረዛ – ዞባ ደቡብ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 75 ዓመት ኣቦ ካብ ዞባ ዓንሰባ ብሞት ተፈልዩ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,664
በጺሑ ኣሎ።

9,466 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 95 ድማ ገና
ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

Categories