ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱምን ከባቢኣን – ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ሪያድን ከባቢኣን -ስዑድያ፡ መበል 32 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ከም ኣካል ናይ’ቲ ጽምብል፡ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ማሕበረ-ኮም ካርቱምን ተወዲቡ ክካየድ ዝጸንሐ ግጥማት ኲዕሶ እግሪ፡ ብዓወት ጋንታ ፈንቅል ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ዝተረኽበ ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፡ ተሳተፍቲ መንእሰያት ንዘርኣይዎ ስፖርታዊ ብቕዓትን ጭውነትን ብምምጓስ፡ ኣብ መጻኢ ስፖርታዊ ብቕዓቶም ዘበርኹሉን ዓቕሞም ዘንጸባርቑሉን ባይታ ንምጥጣሕ፡ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ብምትሕብባር ከም ዝስራሕ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ፈደረሽን ‘ኤሪ-ሊግ ካርቱም’ መንእሰይ ያቆብ ተስፋይ፡ እቲ ውድድርተጻወትቲ፡ ኣሰልጠንትን ኣለይትን ዝርከብዎም 392 ኤርትራውያን መንእሰያት ከም እተሳተፍዎን ብጠቕላላ 50 ግጥማት ከምእተኻየደን ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ “ክተት ከም መድረኻዊ ግድነት”፡ ንቕሓቶምን ውዳቤታቶምን ብምሕያል ሃገራዊ መደባት ንምድንፋዕ ዘለዎም ድልውነት ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሪያድን ከባቢኣን – ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት ዝኽሪ 32 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ኣብ ዝወደብዎ ጽምብል፡ ረዚን ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ናብ ንኣሽቱ ወለዶ ንምስግጋር ዝካየድ መደባት – ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሮም።

Categories