ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ካብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ፒቺኖ – ስዊዘርላንድ፡ ንዋታዊ ሓገዝ ረኺቡ።

እቲ ብ9 ለካቲት ዝተረከበ ንብረት፡ ዓረብያታት ስንኩላን (ዊልቸር)ን ኣርባዕተ ዝእግሩ ንምንቅስቓስ ዝሕግዝ መራዂስን ዘጠቓለለ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ማሕበር ሓላፊ ክፍሊ ውዳበን ሓበሬታን ኣቶ መሓመድ-ኑር እድሪስ ገሊጹ።

እቲ ሓገዝ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ዜጋታት – ንሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ በብእዋኑ ዝገብርዎ ደገፍ እዩ።

Categories