ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ንምብራኽ፡ ኣተባባዒ ስራሕ ከምእተዓመ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና (ሃ.ማ.ኣ.ም.ስ) ሌተና ኮሎኔል ብርሃነ በዂረጽዮን ገሊጹ።

ኣብ 44 ንኡሳን ዞባታት፡ ኣብ ሜላታት ኣተኣላልያ ምስ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዝነብሩ ቈልዑ ስልጠናታት ከምእተዋህበ ዝሓበረ ሌተና ኮሎኔል ብርሃነ፡ ወለዲ ንውላዶም እናኣለዩ ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ዝረኽቡሉ ንጥፈት ንምትእትታው፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ዝተፈተነ ናይ ምጥያስ መደብ፡ ተመኲሮ ከም እተቐስሞ ኣረዲኡ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝፈጠሮ ጸገም ንምቅላል፡ ማሕበር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውህሃድ፡ ን1,180 ጽጉማት ስድራ-ቤታት ዓይነታዊ ደገፍ ከምዝገበረ እውን ሓቢሩ።

“ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና፡ ሕማም ዘይኮነ ሓደ ዓይነት ኩነተ-ህላወ እዩ” ዝበለ ሌተና ኮሎኔል ብርሃነ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ማእከላት ጥዕና ቀዳምነትን ናጻ ኣገልግሎትን ከምዝረኽቡ ምግባሩ፡ ንወለድን ማሕበርን እፎይታ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ሃገር፡ ምስ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ንዝነብሩ ህጻናት ዘምህራ 19 ክፍልታት ውሁድ ትምህርቲ ከምዘለዋ፣ ካብዚአን እተን 11 ኣብ ዞባ ማእከል ከምዝርከባ ጠቒሱ ድማ፡ ብቚጽሪ ንምዕባየን ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2010 ዝቘመ ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 3,500 ኣባላት ኣለውዎ።

Categories