ኣብ ዞባ ደቡብ፡ “ምብርባር ፈጠራ መንእሰያት ንዘላቒ ምዕባለ” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ምህዞን ሰንዓን ዘተኰረ – ካብ 9 ክሳብ 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መንደፈራ ዋዕላ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ብሃማመተኤ ዝተወደበ ዋዕላ፡ ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝመጽኡ ኣብ ምህዞን ሰንዓን ዝነጥፉ 75 መንእሰያት ተሳቲፎም።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቶ ግርማይ ገብሩ፡ ማሕበር ምስ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ኣብ ምህዞን ሰንዓን ዝነጥፉ መንእሰያት ንምትብባዕ፡ “ሃገራዊ ማእከል ምህዞን ሰንዓን” ዝብል መደብ ኣበጊሱ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ምዕኳዂ ፈጠራዊ ሓሳባትን ምውሓስ ዘድሊ ፋይናንሳውን ሞያውን ደገፍን ሕጽረታት ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ ኣቶ ግርማይ፡ እቲ ተበጊሱ ዘሎ መደብ፡ ኣብ መንጎ መሃዝትን ሰናዕትን መንእሰያት ድልዱልን ቀጻልነት ዘለዎን መርበብ ክህሉ፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ንኡስ ዞባ ክለብ ምህዞን ሰንዓን ክቐውም፣ ከምኡ’ውን ዝተጠርነፉ መሃዝትን ሰናዕትን ንሕብረተሰብ ዘበርክቱሉ ንጹር ኣገባብ ክህልዎም ከም ዝሕግዝ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ዋዕላ፡ “መርሓ ዋኒን”፣ “ምቛም ዕውትቲ ጉጅለ”፣ “ትርጉም ምህዞን ብኸመይ ዕዉት መሃዚ ይምዕብልን” ብዝብሉ ኣርእስትታት ኣስተምህሮ ክወሃብ እንከሎ፡ ኣብ ብድሆታትን አፈታትሓኦምን ድማ ተዘትዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ባህግን ድሌትን ዓወት ዘለዎ ሰብ፡ እወታዊ ሓሳብ እንተወሲኹሉ ክዕወት ምዃኑ ዘጠራጥር ከምዘየለ ብምምልካት፡ ሞያኦም ንምብራኽ ብዝሓየለ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩዎም።

Categories