ሓራት፡ ኣብ መስመር ባጽዕ-ባዳ ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ።

ምጅማር ሓራት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝጸንሐ ጸገም መጓዓዝያ ዓቢ ፍታሕ ምዃኑ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ዘላቕነት ንኽህልዎ፡ ኣብ ምጽጋን ናይ’ቲ መስመር ብዝለዓለ ከምዝነጥፉ ኣረጋጊጾም።

ቅድሚ ሕጂ ብናይ ጽዕነት መካይን ልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝወስድ ዝነበረ ካብን ናብን ገልዓሎ-ባዳ፡ ሕጂ ብ30 ናቕፋ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ይሽፍንዎ ከምዘለዉ ዝሓበሩ’ቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ እቲ ኣገልግሎት ንነበርቲ ብሓፈሻ፡ ንሕሙማትን ነብሰ-ጾራትን ድማ ብፍላይ መስተርሆ ፈጢሩ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሰኣን ዘይጥጡሕ ጽርግያን ስሩዕ መስመር መጓዓዝያን፡ ኩሉ-መዳያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ብኣሉታ ተጸልዩ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ባዳ፡ ኣቶ እድሪስ ዑስማን፡ ምጅማር ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣብ ምዕባለ ማሕበረ-ቁጠባዊ እቲ ከባቢ ኣገዳሲ ተራ ከምዝህልዎ ኣገንዚቡ።

Categories