ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ብ10ን 11ን ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ እምባሶይራ ሆቴል ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ 2021 ናይ ዘሰላሰሎም መደባት ገምጋም ኣካዪዱ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን ንምውሓስ ዝተኻየደ መደባት ክታበት፡ ሸፈነኡ 99.4 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፣ ሕማም ዓሶ ናብ 0.05 ሚእታዊት ከምዝወረደ፣ ካብ ዓድታት ናይ’ቲ ዞባ – እተን 97 ሚእታዊት ኮም ዘማእከለ መደባት ጽሬት ከባቢ ከምዘሰላሰላ – ተጠቃምነቱ ግን 69 ሚእታዊት ከምዝዀነ በሪሁ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴንን ሓለፍቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ዶ/ር ሙሉጌታ ሃይለ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ስለዝዀነ፡ ንምስፋሑን ምምዕባሉን ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ክሳብ ደረጃ ዓዲ ብምውራድ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ከምእተዋህበን ሓሓሊፎም ክርኣዩ ዝጸንሑ ሃጓፍት መአረምታ ከምእተገብረሎምን ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶ/ር ዓንደብርሃን ተስፋጼን፡ ‘ኮቪድ-19’ ንምግታእ ጥንቃቐታት ክዓትብ ብምዝኽኻር፡ ዝርአ ጸገማት ንምፍታሕ ጻዕርታት ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ገብረዮሃንስ ወልደገርግስ እውን፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ሓፈሻዊ ዕብየት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋጽ፡ ናይ ኩለን ትካላት ጥዕና ውሁድ ጻዕሪ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

Categories