ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ 2021 ልዕሊ 86 ሚልዮን ናቕፋ ዝወድአ መደባት ማሕበራዊ ድሕነት ከም እተተግበረ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ገሊጹ።

እቲ መደባት፡ ደበስ ንስድራ ስዉኣት፣ ምድጋፍን ምጥያስን ጽጉማት፣ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ንጽጉማት ተመሃሮ፣ ከምኡ’ውን ምሕጋዝ ዘኽታማት ከምዘጠቓልል፡ ብ10 ለካቲት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም በሪሁ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሃይለ ገብረሚካኤል፡ እቲ መደባት ብውህደት ምምሕዳራት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ባይቶን ግንባርን ከምእተተግበረ ብምሕባር፡ እቲ ምትሕብባር ኣብ መጻኢ ብዝያዳ ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

ሓለፍቲ ኣሃዱታት ብወገኖም፡ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝወርዱ በደላትን ጐዳእቲ ልምድታትን ንምግታእ ዝዓለመ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ንምክያድ ዝነበረ መደብ፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከምዘይተተግበረ፣ ሕጽረት መጓዓዝያ እውን ንትግባረን ኣሳልጦን መደባቶም ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ገሊጾም።

ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ካብ ገበናትን በደላትን ክርሕቁ ቀጻሊ ጐስጓሳትን ክትትልን ክግበር ብምትሕስሳብ፡ ንስድራ ስውኣትን ጽጉማትን ብደረጃ ኮም ዝግበር ደገፍ ክሕይል ኣዘኻኺራ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን ብወገኑ፡ ጽጉማት ስድራቤታትን ስንኩላንን ነብሶም ክኢሎም ኣፍራይነቶም ንምዕባይ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ ምምሕዳር ዞባ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊጹ።

Categories