ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 32 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ ትማሊ 12 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኣብ ‘ሓወልቲ ሰማእታት ጥዋለት’ ኣኽሊል ዕንባባ ኣንቢሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ህግደፍን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰብ-መዚ፡ ከምኡ’ውን ነበርትን ነጋድያንን ብውሱን ቊጽሪ ተረኺቦም ነይሮም።

“ፈንቅል፡ ሕላገት ጅግንነት ወለዶታት” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ክሳብ ሎሚ ሰንበት 13 ለካቲት ብዝተፈላለየ ስፖርታዊ፡ ስነ-ጥበባውን ካልእን መሰናድኦታት ክቕጽል እዩ።

ብምኽንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዝተወደበ ሻምፕዮን ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብቕድሚ ትማሊ ከምእተኻየደ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራውያን ኣትለታት ብኽልቲኡ ጾታ ድማ፡ ዓወት ተጐናጺፎም።

Categories