ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኑ፡ ኣድራሻኡ ደቂ-ሽሓይ፣ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ዒላበርዕድ – ዞባ ዓንሰባ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 11 ካብ ዞባ ማእከል፡ 6 ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 3 ድማ ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብጠቕላላ 20 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,662 በጺሑ ኣሎ። 9,454 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 102 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 106 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 11 ለካቲት 2022

Categories