ብምኽንያት ጽምብል መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ነቲ በሪ ናጽነት ዘርሓወ ስርሒትን ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝተኻየደ ጽዑቕ ምርብራባትን ዝገልጽ ሰሚናራት፡ ብሰብ ውዕሎ ኣብ ከተማታት ባጽዕን ጊንዳዕን ተኻዪዱ።

ብ9 ለካቲት ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ኮሎነል ኢሳቕ ገብሩ፡ ንተራን ተወፋይነትን መንእሰያት ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ፣ ጽንኵር ብድሆታት ንምስጋር ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲን ዝተሓልፈ መስገደላትን፣
ከምኡ’ውን በብእዋኑ ዝጭበጥ ዝነበረ ዓወታት ብሓፈሻ፡ ናይ ስርሒት ፈንቅል ከኣ ብፍላይ ንምዕቃብ ዝተራእየ ቅያ፡ ጅግንነትን መስዋእትነትን ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ብ8 ለካቲት ኣብ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሰሚናር ድማ፡ ኮሎኔል ኣስረስ ኢሳቕን ሌተና ኮሎኔል ግርማጼን ዮውሃንስን፡ ጸላኢ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንምምላስ ዘካየዶ ቀጻሊ ምርብራባትን ንምምካቱ ዝተፈጸመ ጅግንነትን ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ መንእሰያት ተሳትፎኦም ኣብ ኩሉ-መዳያዊ ንጥፈታት ዘበርኹሉን መብጽዓኦም ዳግማይ ዘሐድሱሉን ኣጋጣሚ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

“ፈንቅል፡ ሕላገት ጅግንነት ወሎዶታት” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ጽምብል መበል 32 ዓመት፡ ካብ 11 ክሳብ 13 ለካቲት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ክበዓል እዩ።

Categories