ነበርቲ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ጊንዳዕ ብዘካየድዎ ወፈራዊ ስራሓት፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ፈልሲታት ኣግራብ ተኺሎም።

እቲ ወፈራታት፡ ኣብ ሓመልማል፡ ምቓዕ ነጋሪትን ደብር ሓሊብን ከምእተኻየደ ዝሓበረ ወኪል በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካፕተን ጸሃየ ተኽለ፡ ዝተተኽለ ፈልሲታት ቀጻሊ ክንክን ክግበረሉ ተላብዩ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ መደበር ፈልሲ ማይ-ኣድከሞም ካብ ዝፈለሰ ኣስታት 43 ሽሕ ኣግራብ፡ እቲ 13 ሽሕ ኣብ ደንደስ ጽርግያታት፡ ማእከል ከተማን ኣብ ውሽጢ ሕሩም ሃገራዊ ሕዛእትን ከምእተተኽለ ዝጠቐሰ ካፕተን ጸሃየ፡ እዚ ኣወዳድባ እዚ ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መደበር ፈልሲ ማይ-ኣድከሞም ዝዳሎ ዘሎ ፈልሲታት፡ መቒዕ፡ ጋባ፡ ወይባ፡ ዓላ፡ ኒምን ዒቃን ምዃኑ ዝሓበረ ክኢላ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣቶ ኣሕመድ ዓብደላ፡ ኣብ መጻኢ ካልኦት ዓይነት ናይ ምውሳኽ መደብ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ባጽዕ እውን፡ ብወፈራ ህዝቢ 1,200 ፈልሲታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories