ጨንፈር ዞባዊ ኣገልግሎት ኣብ ድገን ኣቑርደትን ንሓረስቶት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ ቁጽጽር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንሓረስቶት ንኡሳን ዞባታት ድገን ኣቑርደትን፡ ኣብ ቅኑዕ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ጸረባልዕ መድሃኒት ኣስተምህሮ ሂቡ።

እቲ ብ4ን 5ን ለካቲት ዝተኻየደ መደብ፡ ግጉይ ኣጠቓቕማ ጸረባልዕ መድሃኒት ብምእራም፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ፡ እንስሳን ኣከባብን ክስዕብ ዝኽእል ሃስያን ብከላን ኣብ ምግታእ ዘተኰረ ምዃኑ፡ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኣሃዱ ቁጽጽር ሃብቲ ብቚሊ ኣቶ ኣብርሃለይ ሃይለሚካኤል፡ እቲ ዕላማ፡ ሓረስቶት ብሓፈሻ ኣብ መስኖኣዊ ልምዓት ዝነጥፉ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ክኽተልዎ ዝግባእ ኣገባባት ብምስራጽ፡ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ ፍርያት ንምቕራብ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ ክንዲ ተደጋጋሚ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ጥራይ ዝጥቀሙ፡ ውሁድ ኣገባብ ምክልኻል ጸረ-ባልዕ ብምኽታል ጥዕናኡ ዝተዋሕሰ ፍርያት ከቕርቡ ምእንቲ፡ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ንዝወሃቦም ምኽርን ማዕዳን ብዕቱብነት ከተግብሩ ድማ
ኣተሓሳሲቡ።

ሓረስቶት ዝጠቀሙሎም ጸረ-ባልዕ መድሃኒታት፡ ካብ ኣተዓቓቕባኦም ክሳብ ኣብ መዓል ዝውዕሉ ዕቱብ ጥንቃቐ ከምዘድልዮም ዝሓበረ፡ ክኢላ ቁጽጽር ሕርሻዊ ቀመማት መንእሰይ ሓድሽ ገብረመስቀል፡ ምጥቃም ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ግድነታዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ሓረስቶት ንሰብ ሞያ ሕርሻ ክውከሱ፣ ዝጥቀሙሉ ዓይነት መድሃኒት ብግቡእ ከለልዩ፣ ኣብ እዋን ምንጻግ ልዑል ጥንቃቐ ከዘውትሩን መድሃኒታት ሓዋዊስካ ምጥቃም ከወግዱን ኣዘኻኺሩ።

Categories