መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (መውል) ጨንፈር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ 2021 – ናብ ዓማዊሉ ልዕሊ 20 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝዘርግሐን፡ ነቲ ኣስታት 20 ሚልዮን ከምዝኣከቦን፡ ብ4 ለካቲት ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ
ገምጋም ገሊጹ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ዓብዱ ኢብራሂም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ትካል፡ ካብ ወግዓውያን ፋይናንሳውያን ትካላት ናይ ልቓሕ ዕድላት ክረኽቡ ንዘይክእሉ ኣብ ርሑቕ ገጠራትን ሓውሲ ከተማታትን ዝነብሩ ዜጋታት፡ መነባብሮኦም ዘመሓይሹል ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዛጊት 1,921 ዜጋታት ተጠቀምቲ ኰይኖም ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ኣብ 2022፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ቤት-ጽሕፈት ንምኽፋትን ኣስታት 25 ሚልዮን ናቕፋ ልቓሕ ንምዕዳልን መደብ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ‘መውል’ ኣቶ ታፍላ ኣስመሮም ብወገኑ፡ ዝወሃብ ልቓሕ ኣብ መነባብሮ ስድራ-ቤታት ዝገብሮ ዘሎ እወታዊ ጽልዋ ዘተባብዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ቀጻልነት ናይ’ቲ ዝትግበር ዘሎ መደባት ንምርግጋጽ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ‘መውል’ ገንዘብ ካብ ምልቃሕ ሓሊፉ፡ ዓማዊሉ ዘድምዑሉ መዳያት ኣብ ምልላይ ክነጥፍ፣ ጽልዋታት ልቓሕ ኣብ ዜጋታት ብግቡእ ክጽናዕ፣ ልቓሕ ብትሕጃ ዝፍቀደሉ ኣገባባት ክተኣታቶ፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories