ትማሊ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ 4 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ገጀረት፡ ድባርዋን ሰንዓፈን፣ 3 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዓረዛ፡ ዓዲ-ቐይሕን ማይ-ዓይኒን – ዞባ ደቡብ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መወሸቢ
ማእከል ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 6 ካብ ዞባ ማእከል፡ 8 ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 9 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ፡
ብጠቕላላ 23 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,660 በጺሑ ኣሎ። 9,434 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 102 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 124 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 10 ለካቲት 2022

Categories