ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪ ምምሕዳር ማእከል – ኣሃዱ ‘ኣታዊ ግብሪ’ ንስሉጥ ኣገልግሎት ብዕቱብ ይሰርሕ ዞባ ማእከል፡ ንከፈልቲ ግብሪ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ – ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ’ቲ ኣሃዱ ኣቶ ሃብተ የዕብዮ፡ ቀንዲ ስራሖም ምቕባል ክፍሊት ግብሪ መሬትን ጽሬት ከባብን ከምዘጠቓልል፣ መዓልታዊ ድማ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዘአንግዱ ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ መዳይ እዚ ብድሓን ዝግለጽ ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ምስ ኣካላት ቤት-ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ሚኒስትሪ መጓዓዝያን ዘለዎም ውህደት፡ ኣብ ኣድማዕነት ስራሖም ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ መሻርኽቶም ንዘርእይዎ ምትሕብባር ሞጒሱ።

ዓመታዊ ክፍሊት ብፍላይ ድማ ናብ ወረስቲ ዝበጽሐ ዘይተኸፍለ ዕዳ ዘለዎም ዜጋታት ዕዳኦም ከጻፍፉ እውን ኣዘኻኺሩ።

ተገልገልቲ፡ ይረኽብዎ ንዘለዉ ኣገልግሎት ብምምጓስ፡ ካልኦት ትካላት ኣብነት ናይ’ቲ ኣሃዱ ክኽተላ ተላብዮም።

Categories