ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብ7 ለካቲት ንልዕሊ 300 መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን – ሓልሓለ፡ ኣብ ውዳበን ተሳታፍነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ሓላፊት ሃ.ማ.ደ.ኤ ዞባ ደቡብ ወ/ሮ ሰናይት ኣፈወርቂ፡ ኣብ’ቲ ኮርፖረሽን ጥርናፈ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሃ.ማ.ደ.ኤ ከምዘይጸንሐ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን – ውዳቤአን ኣብ’ቲ ማሕበር ብምድልዳል፡ ኣብ ምዕዋት መደባት ተሳታፍነተን ከዕዝዛ ኣዘኻኺራ።

ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 40 ዓመታት ዕድመኡ፡ ኣብ ምንቃሕ፡ ምውዳብን ምዕጣቕን ደቂ-ኣንስትዮ ከምኡ’ውን ኣብ ምምጻእን ምውሓስን ሃገር ዝነበሮ ተራ እውን ብዝርዝር ኣረዲኣ።

ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ፡ ኣቶ ክብረኣብ ኣብርሃም ብግደኡ፡ ተጀሚሩ ምስ ዘሎ ውዳበ ሃማደኤ ኣብ’ቲ ኮርፖረሽን፡ ኣብ ምውዳብን ምሕያል ዓቕምታትን ደቂ-ኣንስትዮ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት እውን፡ እቲ ውዳበ ንምውርራስ ጅግንነትን ታሪኽን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ሓጋዚ ምዃኑን፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክገብር ድሉው ከምዘሎን ኣረጋጊጹ።

Categories