ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሖ መስመራት – ሓድሽ ብምኽፋት ኣገልግሎቱ የስፍሕ ኣሎ።

እቲ ኩባንያ፡ ኣብ መስመር ዓሰብ – ደባይሲማ ጀሚርዎ ዘሎ ኣገልግሎት፡ ኣብ’ቲ መስመር ንዝጸንሐ ናይ መጓዓዝያ ጸገም ከምዝፈትሐ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ካብን ናብን ዓሰብ – ደባይሲማ ብናይ ጽዕነት መካይን ክጥቀሙ ምጽንሖም፡ እዚ ድማ ኣብ ርእሲ’ቲ ምቹእነትን ውሕስነትን ዘይብሉ ምዃኑ ከም ድሌትካ ዝርከብ እውን ከምዘይነበረ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ እዚ ብርትዓዊ ክፍሊት
ተጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት፡ ኣብ ድሕነት እውን ስግኣቶም ከምዘፋዀሰ ገሊጾም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ረሺድ መሓመድ፡ ህዝቢ ስሉጥ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብርትዓዊ ዋጋ ክረክብ ምስራሕ – ካብ ቀንዲ ዕላማታት’ቲ ኩባንያ ምዃኑ ብምሕባር፡ ምጅማር ሓድሽ መስመር ዓሰብ – ደባይሲማ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምስማር ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣቶ ረሺድ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ’ውን ኣብ መስመር ዓሰብ – ዋደ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘድሊ መጽናዕቲ ተጻፊፉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

Categories