ኣብ ጀርመን፡ ናብ ብድሆታትን ዕድላትን ኣብ ጀርመን፡ ንመንእሰያት ብማንዛ ሰሚናር ተዋሂቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ዝቐንዐ ሰሚናር – ብ5 ለካቲት ብማንዛ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ብቤት-ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ዝተወደበን ልዕሊ 500 መንእሰያት ዝተሳተፍዎን ሰሚናር፡ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ኣብ ዝሓለፋ 80 ዓመታት ንኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእን ንምንብርካኽን ንዝተኻየዱ ሸርሕታትን ተጻብኦታትን በብመድረኾም ብምዝርዛር፡ ብሓያልን ንቑሕን መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈሸሉ ኣረዲኡ።

ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ክብረኣብ ተኸስተ ብወገኑ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገር ብሓፈሻ፡ ኣብ ማሕበረቁጠባዊ መዳያትን ህዝባዊ ዲፕሎማሲን ንዝተዓሙ ስርሓት ድማ ብፍላይ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ
መንእሰያት፡ ታሪኾም ብዝግባእ ክፈልጡን ክዕቅቡን ኣዘኻኺሩ።

“ጥምረትን ሓድነትን፡ ካብ ቀንዲ መለለዪ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ እዮም” ዝበለ ኣቶ ክብረኣብ፡ ናብ ወለዶታት ምስግጋሮም ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ኣገንዚቡ። ሃገራዊ ውዳቤታት ብዝለዓለ ክስራሓሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ መድረኽ ኣብ ዝጠልቦ መደባት እጃሞም ከም ዘበርክቱ ኣረጋጊጾም።

Categories