ውዳቤ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባን ከባቢኣን፡ “ተራ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ትንሳኤን ብልጽግናን ሃገር’’ ብዝብል ኣርእስቲ ሰሚናር ተዋሂብዎም።

ኣብ’ቲ ብ6 ለካቲት ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዝተዋህበ
ሰሚናር፡ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ፉኣድ መሓመድ፡ ትንሳኤን ብልጽግናን ሃገራትን ሕብረተሰባትን፡ ኣብ መንግስትን ኣካላት መንግስትን ጥራይ ከምዘይሕጸር፣ ተራ ጁባን ከባቢኣን፡ “ተራ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ትንሳኤን ብልጽግናን ሃገር’’ ብዝብል ኣርእስቲ ሰሚናር ተዋሂብዎም።

ኣብ’ቲ ብ6 ለካቲት ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዝተዋህበ ሰሚናር፡ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ፉኣድ መሓመድ፡ ትንሳኤን ብልጽግናን ሃገራትን ሕብረተሰባትን፡ ኣብ መንግስትን ኣካላት መንግስትን ጥራይ ከምዘይሕጸር፣ ተራ ኮምን ውዳቤታቱን እውን ልዑል እጃም ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ለ’ዚ ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነብሩ ድማ ብፍላይ – ንትንሳኤ ኤርትራ ግዴኦም ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ፉኣድ፡ ክብሪ ስራሕ፡ ፍቕሪ ፍልጠትን ትምህርትን፣ ምህዞን ምርምርን፣ ካብ ውልቃዊ ረብሓኻ ንሃገርን ሃገራዊ ረብሓን ምቕዳም. . . ካብ’ቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ትንሳኤ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ኣብ ኤርትራ ብውህደት ህዝቢን መንግስትን ግንባርን ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ንምዕዋት – ንቕሓቶም ብምብራኽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ሃገራዊ ጥምረትን ንቕሓትን መንእሰያት ብምዕዛዝ፡ ኩሉመዳያዊ ምዕባለ ኤርትራ ንምርግጋጽ ምስራሕ – ለበዋ ዘየድልዮ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ንግብራውነቱ ድልውነቶም ገሊጾም።

Categories