ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ዓዲ-ቀ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ጓል 84 ዓመት ኣደ ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልየን።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,652 በጺሑ ኣሎ። 9,411 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 102 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 139 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 09 ለካቲት 2022

Categories